AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ምሃብ ዜግነትን መርዓን

Print

እንተ ተመርዒኻ - ብቋንቋ ጀርመን እዚ፤ Eheschließung ይበሃል - ወይ ድማ ዜግነት ጀርመን ክትወስድ እንተደሊኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ክትሕዞም ዘድልዩኻ ነገራት ኣለዉ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ከም ጀርመናዊ ዜጋ ክትርዕም ትደሊ ዲኻ፧

ብዛዕባ ዜጋ ክትፈልጦ ዘለካ ኩሉ ነገር ኣብዚ ክትረኽቦ ኢኻ፤
www.amka.de/einbuergerung

Standesamt Frankfurt am Main (ቤት ጽሕፈት መዝገብ) ናይ ዝየጋ ሓላፍነት ዝወስድ ኮይኑ ዘድልየካ ሓበሬታ ክህበካ እዩ፤
www.frankfurt.de/standesamt/einbuergerung

BAMF (ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደትን ስደተኛታትን) ብዛዕባ ዝየጋ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። እዚ ሓበሬታ ብቋንቋታት ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቱርኪን ይርከብ፤
www.bamf.de/einbuergerung

BAMF ብኢንተርነት ዝካየድ ማእከል መርመራ የካይድ። ነዚ ማእከል ንፈተናታት "ኣብ ጀርመን ምንባር"ን ዝየጋን ንምልምማድ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኣብነት ሕቶታት እውን ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ፤
www.bamf.de/online-testcenter

እቲ Verband binationaler Familien und Partnerschaften e. V. (ማሕበር ክልተ ሃገራዊ ስድራቤታትን ምሕዝነትን) ከም ዜግነትን ዝየጋን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ቃላት ይገልጽ። መብርሂታት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.verband-binationaler.de/einbuergerung

ክትምርዖ ትደሊ ዲኻ፧

Standesamt der Stadt Frankfurt am Main (ቤት ጽሕፈት መዝገብ) ሰባት ዝምርዓዉሉ ቦታ እዩ። ክትምርዖ እንተደሊኻ፡ ዝተወሰኑ ሰነዳት ክድልዩኻ እዮም። ኣብ’ዚ ብዛዕባ እቶም ዘድልዩኹም ሰነዳት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/standesamt/eheschliessung

መብርሂ ናይቶም ሰነዳት ኣብ ገጻት ናይቲ Verband binationaler Familien und Partnerschaften e. V. (ማሕበር ክልተ ሃገራዊ ስድራቤታትን ምሕዝነትን) ክርከብ ይከኣል፤

ዝተፈልየ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ክትምርዖ ምስ እትደሊ ኣብ ግምት ከተእትዎም ዘለዉኻ ብዙሓት ነገራትን ክትምልሶም ዘለዉኻ ሕቶታትን ኣለዉ። Auswärtiges Amt (ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ፌደራል) ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታትን መልስታትን ኣዋዲዱ ኣሎ፤
www.auswaertiges-amt.de/fragenkatalog-eheschließung

ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትምርዖ ትደሊ ዲኻ፧

ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካኣብ ገጻት ከተማ ፍራንክፈርት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/standesamt/Heiraten-im-Ausland

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ቤት ጽሕፈት መዝገብ

ንቤት ጽሕፈት መዝገብ ኣበይን ኣብየኖት ሰዓታትንክትረኽቦም ከም እትኽእል ኣብዚ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ኣየኖት ክፍልታት ሓላፍነት ከም ዝስከሙ እውን ክትፈልጥ ኢኻ፤
www.frankfurt.de/standesamt

ናይ ውልቂ ምኽሪ

ማሕበር ክልተ ሃገራዊ ስድራቤታትን ምሕዝነትን (Verband binationaler Familien und Partnerschaften e.V.) ብዛዕባ ሕጊ ስድራቤትን ኢሚግሬሽንን ዝህልዉኻ ዝኾኑ ሕቶታት ብውልቂ ከማኽረካ ይኽእል እዩ፤
www.verband-binationaler.de/beratung