መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

AmkA.Info Online

Print

መልሲ ንሕቶታትኩም ብኢንተርነት ርኸቡ።

ኣብዛ ከተማ ጋሻ ዲኻ ወይ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ክትኣቱ ከለኻ ደገፍ የድልየካ እዩ፧ መምርሒና ብዛዕባ ኣገልግሎታትን ማእከላት ምኽርን፣ ከምኡውን ኣብ ፍራንክፈርት ብዛዕባ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ንስኻ ወይ እትፈልጦም ሰባት ሓገዝ ክትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ እዚ እዩ።

ኣብ ኩሎም እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓገዝቲ መላግቦታትን ኣድራሻታትን ክትረኽበሉ እትኽእል ቦታ እዚ እዩ፥

መብዛሕትኦም መላግቦታት ናብ ብቋንቋ ጀርመን ዝተዳለዉ መርበብ ሓበሬታታት ክመርሑኻ እዮም። ገለ መርበባት ሓበሬታ ብዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ቱርኪ ወይ ብኻልእ ቋንቋታት እውን ኣለዉ። እቶም ሓጸርቲ መግለጺታት እቶም መርበባት ሓበሬታ ብምንታይ ዓይነት ቋንቋ ከምዝቐርቡ ይሕብሩኻ።

ኣገደስቲ ምኽርታት

ቅልውላው ጸዓት፡ ከመይ ጌረ እየ ጸዓት ክቑጥብ ዝኽእል፧ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንተተቛሪጹ እንታይ ክገብር ኣለኒ፧ ኣብቲ ገዛ እንታይ ዓይነት ቀረባት ክህልዉኒ ኣለዎም፧ ከተማ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ትህብ፤
www.frankfurt.de/energiefragen

ኣብዚ ገጽ ሓበሬታን ምኽርታትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
www.amka.de/wegweiser/tipps

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።