AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ቋንቋ ጀርመን ምምሃር

Print

ናይ ቋንቋ ጀርመን ትመሃረሉወይ ዓቕምኻ ተዕብየሉ ብዙሕ ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለዉ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮርሳት ጀርመን እውን ኣለዉ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ኣብ ናይ ውህደት ኮርስ ክትሳተፍ ትደሊ ዶ፧

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ናይ ውህደት ኮርስ ክትሳተፍ ትኽእል ትኸውን። ናይ ውህደት ኮርሳት ናይ ቋንቋ ኮርስን ናይ መላለዪ ኮርስን ዝሓቖፈ ኮይኑ ብመንግስቲ ብገንዘብ ዝድገፍ እዩ። ኣብ ገሊኦም ናይ ውህደት ኮርሳት ክንክን ህጻናት ይርከብ።

ብዛዕባ ናይ ውህደት ኮርሳት ኩሉ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ BAMF (ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደትን ስደተኛታትን) ብቋንቋታት ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቱርኪን ክርከብ ይከኣል፤
www.bamf.de/integrationskurse

ኣብ መርበብ ሓበሬታ BAMF ባዕልኻ ነጻ ቦታታት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ቀሊል እዩ። ነቲ ናይ ፍልተር ተግባር ጥራይ ተጠቐም። ንኣብነት እትነብረሉ ቦታ ወይ ክትጅምር ትደልየሉ ግዜ ክተእቱ ትኽእል ኢኻ፤
www.bamf-navi-bamf.de/

ብተወሳኺ ንናይ ውህደት ኮርስ ከመይ ጌርካ ከም እተመልክት ዝገልጽ ሓበሬታ ወረቐት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ወረቐት ብቋንቋታት ኣልባንያ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓረብኛ፣ ቡልጋርያኛ፣ ቻይናዊ፣ ዳሪ፣ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳይኛ፣ ግሪኽኛ፣ ህንዲ፣ ጣልያንኛ፣ ጃፓንኛ፣ ክሮኤሽያኛ፣ ኦሮሞ፣ ፓሽቶ፣ ፖላንድኛ፣ ፖርቱጋልኛ፣ ሮማንያኛ፣ ሩስያኛ፣ ሰርብያኛን ፣ ስሎቫክያ፣ ስሎቨንያ፣ ስጳኛ፣ ታሚል፣ ታይላንድ፣ ትግርኛ፣ ቸክ፣ ቱርኪ፣ ሃንጋሪን ቬትናምን ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።
www.bamf.de/integrationskurse/merkblatt-zum-antrag-auf-zulassung

ወላዲት ኮይንኪቋንቋ ጀርመን ክትመሃሪ ትደልዪ ዲኺ፧

"Mama lernt Deutsch" ንጀመርቲ ዝኸውን ኮርሳት ኮይኑ፡ ክንክን ህጻናት ኣለዎ። ብ ASB Lehrerkooperative Frankfurt (ማሕበር ሕብረት ስራሕ መምህራን) ዝዳለዉ እዮም፤
www.lehrerkooperative.de/mama-lernt-deutsch

ንነብስኻ ባዕልኻ ክትከፍለሉ እትኽእል ናይ ጀርመን ኮርስ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧

ኣብ ፍራንክፈርት ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን ዝህባ ብዙሓት ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋታት እውን ኣለዋ፣ ። ዝደለኻዮ ቤት ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኮርሳትን ዋጋታትን ክትሓትት ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ ክትከይድብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እተን ነዞም ኮርሳት ዝህባ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት "Deutschkurs in Frankfurt" ዝብል ድለ። ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ቋንቋ እውን ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

ምቹእ ኮርስ ንምርካብ ሓገዝ የድልየካ ድዩ፧

ኣየናይ ኮርስ ንዓኻ ከምዝምጥን ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ፡ ካብቲ Migrationsberatungsstellen (ማእከላት ምኽሪ ስደት ንዓበይቲ/እኹላት) ንዕድመ 27 ዓመትን ልዕሊኡን ከምኡ’ውን ካብ Jugendmigrationsdiensten (ኣገልግሎታት ስደት መንእሰያት) ካብ 12 ክሳብ 26 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ናይ ውህደት ኮርሳትን ትምህርቲ ጀርመንን ዝያዳ ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።
www.amka.de/flyer-willkommen

ናይ ስደት ምኽርን ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምኽርን ኣብ Internationales Familienzentrum e. V. ብቋንቋታት ቦዝንያ፡ ጀርመን፡ ክሮኤሽያ፡ ፖላንድ፡ ሰርብያን ቱርኪን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፤
www.ifz-ev.de/migrationsberatung

ነጻ ናይ ጀርመን ኮርስ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ፧ ወይ ናይ ቋንቋ ጀርመን መዓልታዊ ዓቕምኻ ከተመሓይሽ ትደሊ ዶ፧

ብወለንተኛታት ዝካየዳ ብዙሓት ኣገልግሎታትን ናይ ቋንቋ ካፈታትን ኣለዋ። ኣብ ኣውራጃኻ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ካፈታትን ኣብ Frankfurt hilft ክትረክብ ትክእል ኢኻ፤
www.frankfurt-hilft.de/uebersicht-ehrenamtlicher-sprachangebote

መምህራን ኣብ መንገዲ ዝበሃል ወለንታዊ ፕሮጀክት ናይ ጀርመን ኮርሳት የካይድ፤
www.nksnet.org/teachers-on-the-road

ናይ ስደተኛታት ተመኩሮ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ Café Milena ብነጻ ቋንቋ ጀርመን ክመሃራ ይኽእላ እየን። ክትጽሕፍ ዘይትኽእል ወይ ጽቡቕ ክትጽሕፍ ዘይትኽእል እንተኾንካ እኳ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ቋንቋ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ክንክን ህጻናት እውን ኣሎ፤
www.maedchenbueromilena.de/bildung

Start with a friend ኣብ መዓልታዊ ህይወት ጀርመንኛ ከዛርቡኻ ዝኽእሉ ታንደም ዝበሃሉ፣ ናይ ቋንቋ መሻርኽቲ ይረክብ፤
www.start-with-a-friend.de/mitmachen

ኣብ Malteser Deutsch Treff ጀርመንኛ ክትመሃርን ብደገፍ ወለንተኛታት ዕዮ ገዛ ክትሰርሕን ትኽእል ኢኻ፤
www.malteser-frankfurt.de/deutsch-treff

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 - 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

"Deutsch lernen in Frankfurt" ዝብል ብሮሹር

Amt für multikulturelle Angelegenheiten (AmkA ወይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ብዙሕ ባህላዊ) ንቋንቋ ጀርመን ንዝመሃሩ ሰባት ናይ ኣገዳሲ ሓበሬታ ቀለልቲ መግለጺታት ይህብ። እቲ ብሮሹር ብዛዕባ ደረጃታት ቋንቋ፡ ኮርሳት ቋንቋን ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመንኛ ንምምሃር ዝሕግዙ ምኽርታትን ሓበሬታ ይህብ።

PDF ናይቲ ብሮሹር ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.amka.de/deutsch-lernen-frankfurt

ሓበሬታ ንሰብ ሞያ

ሰብ ሞያ ትምህርቲ፡ መምህራን፡ መራሕቲ ኮርስ፡ ወለንተኛታትን ካልእ ዝደሊ ሰብን ብዛዕባ ቋንቋ፡ ብዙሕ ቋንቋታትን ትምህርቲ ቋንቋን ሓበሬታ ኣብዚ ክረኽቡ ይኽእሉ፤
www.amka.de/sprachbildung

ምኽሪ ንባብ፡ ArrivalNews

ArrivalNews ብ ጀርመንኛ እትሕተም ጋዜጣ እያ። ኣብ ጀርመን ኣጋይሽ ንዝኾኑወይ ጀርመንኛ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝዓለመ እዩ።
www.arrivalnews.de

ArrivalNews ኣብ stadtRAUMfrankfurt ብነጻ ንክንበብን ክውሰድን ይከኣል። ቀጽል ጥራይ!