AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ንሓፈሻዊ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ ካበይ ክትረክብ ትኽእል

Print

ገለ ሕቶታት ሃልዮምኻ ግን ንመን ከም እትሓትት ኣይትፈልጥን ዲኻ፧

ኣብዚ  ሓበሬታ ክትረክብን ንመን ክትሓትት ከም ዘለካ ክትፈልጥን ትኽእል ኢኻ፤

AmkA.Info

እቲ ማእከል ምኽሪ AmkA.Info መን ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ። ሕቶታትካ ናብታ ጉጅለ ንምቕራብ ኣይትሰከፍ። ብዛዕባ ብዙሓት ኣገልግሎታትን ማእከላት ምኽርን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ይኹን ነቶም እትፈልጦም ሰባት ክሕግዙ እዮም።

ብኣካል ምጻእ፡ ኢመይል ጽሓፍ ወይ ደውለልና። ብኸመይን መዓስን ክትረኽበና ከም እትኽእል ኣብዚ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ፤
www.amka.de/info

Behördennummer 115

115 ናይ መንግስታዊ ሰበስልጣን ቁጽሪ ተሌፎን እዩ። ብዛዕባ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ፍራንክፈርት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ናብ 115 ደውል፤ ንኣብነት፤ ናብ ገዛይ ክግዕዝ ከለኹ ኣበይ ዳግማይ ክምዝገብ ኣለኒ፧ ንግዲ ኣበይን ብኸመይን ከመዝግብ ኣለኒ፧

ደውሉ ጥራይ። ተወሳኺ ኣብ፤
www.frankfurt.de/115

ምኽሪ ዜጋታት

ኣብ ፍራንክፈርት እንታይ ይካየድ ኣሎ፧ እንታይ ዓይነት በዓላት ወይ ፍጻሜታት እየም ዘለዉ፧ Bürgerberatung (ቢሮ ምኽሪ ዜጋታት) ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ኣርእስታትን ሕቶታትካን ዘድልየካ ኩሉ ሓበሬታ ኣለዎ፤

  • ኣገደስቲ ፍጻመታት
  • ምርኢታት
  • ኣጋጣሚታት
  • ህዝባዊ ሰበስልጣንን ዕማማቶምን

ኣድራሻታት፡ ቁጽሪ ተሌፎንን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/service-und-rathaus/buergerberatung

ናይ ስደት ምኽሪን ሓፈሻዊ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን

ኣብ ፍራንክፈርት ጋሻ ዲኻ? ስለዚ ብዙሕ ሕቶታት ክህልዉኻ ይኽእሉ እዮም። Migrationsberatung für Erwachsene (ማእከላት ምኽሪ ስደት ንዓበይቲ) ከምኡ'ውን Jugendmigrationsdienste (ኣገልግሎት ስደት መንእሰያት) ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ክመኽሩኻን ክድግፉኻን ይኽእሉ እዮም፡ ንኣብነት፤

  • ቋንቋ ጀርመን ምምሃር
  • ትምህርትን ስራሕን
  • መንበሪ
  • ጥዕና
  • መርዓ፣ ስድራቤት ከምኡውን ትምህርቲ

"እንቋዕ ናብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ብደሓን መጻእኩም" እትብል በራሪወረቐት፡ ን Migrationsberatungstellen für Erwachsene (ማእከላት ምኽሪ ስደት ንዓበይቲ/እኹላት)፡ ን27 ዓመትን ልዕሊ ንዝዕድሚኦም ሰባት፡ ከምኡ'ውን Jugenmigrationsdiensten (ኣገልግሎታት ስደት መንእሰያት)፡ ካብ 12 ክሳብ 26 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝገልጽ መእተዊ እዩ።

  • እቲ ኣውሮጳዊ ትርጓም ናይቲ በራሪ ወረቐት ብቋንቋታት ቡልጋርያ፣ እንግሊዝኛ፣ ግሪኽ፣ ጣልያን፣ ክሮኤሽያ፣ ፖላንድኛ፣ ሮማንያ፣ ስጳኛን ሩስያን ሓበሬታ ኣለዎ።
  • እቲ ዓለምለኻዊ ትርጓም ብዓረብኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፓሽቶ፣ ፋርሲ፣ ትግርኛ፣ ሶማሊኛ፣ ቱርኪን ኡርዱን ሓበሬታ ኣለዎ።

www.amka.de/flyer-willkommen

Internationales Familienzentrum e.V. ናይ ስደት ኣማኻሪ ኣገልግሎትን ሓፈሻዊ ምኽሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣለዎ። እታ ጉጅለ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ቦዝንያ፡ ጀርመን፡ ክሮኤሽያ፡ ፖላንድ፡ ትግርኛ፡ ሰርብያን ቱርኪን ምኽሪ ክትህበካን ክትድግፈካን ትኽእል እያ።
www.ifz-ev.de/migrationsberatung

ኣብ Gallusviertel ትነብር እንተኾንካ፡ ን Informations- und Anlaufstelle Rat & Tat ክትረኸብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ብወግዓዊ ደብዳበ ወይ ምልክታ እንተተዋሂቡካ ወይ ባዕልኻ ምልክታ ክትህብ እንተደሊኻ ክሕግዙኻ እዮም። ናይ ስራሕ መመልከቲ ንምጽሓፍ እውን ክሕግዘካ እዩ፤
Flyer Rat & Tat (PDF)

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ዓለምለኸ ሰብ ሞያ

ኣብ ፍራንክፈርት ብዛዕባ ምምጻእ፡ ምስራሕ፡ ምጽናዕን ምንባርን ዝምልከት ሓበሬታን ምኽርን ኣብዚ ዝስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

Welcome Center Hessen: www.work-in-hessen.de

FrankfurtRheinMain International Office: www.find-it-in-frm.de

ተወሰኽቲ ቅድመ-ምድላዋት

እቲ Handbook Germany ዝበሃል መድለዪ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝቐረበ እዩ። ኣብ ላዕሊ የማን ኣብ ዘሎ ምልክት ዓለም ብምጥዋቕ ቋንቋ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።እቲ መድለዪ ኣብ ከባቢኻ ምኽርን ደገፍን ይረክብ።
www.handbookgermany.de/
local-information